Up next


Eritrean Orthodox Tewahdo nay nsha mezmur ራህርሃለይ ጎይታ - Rahrhaley Goyta

73 Views
መዝናኛ
7
Published on 11 Aug 2019 / In Religious

ራህርሃለይ ጎይታ
ክሳዕ ማዓስ ሕግኻ ክጥሕስ
ራህርሃለይ ጎይታ ልቦናይ ክምለስ(2)

ብምሕረትካ እንተዘይገዲፍካለይ
ነጊርካ ዘይውዳእ ብዙሕ'ዩ በደለይ
ኣይተኣዘዝኩዃን እምኒ ኾይኑ ልበይ
ጸጋኻ ሃበኒ ክእዘዝስ ኣቦይ(2)

ህያው ቃልካ መጊብካ መኺርካኒ
ቅኑዕ መንገድኻ ፈጺምካ ኣርኢኻኒ
ግን ኣይተለወጥኩን ምግባር ጎዲሉኒ
ታሪኸይ ክቕየር ሓይልኻ ሃበኒ(2)

ኣይከኣልኩን ክሕሉ ሕግኻ
ስንፍናይ በዚሑ ርሒቐ ካባኻ
ንንስሓ ኣ'ብቅዓኒ ብፍጹም ፍቅርኻ
ሂወተይ ቀድሳ ብቕድስናኻ(2)

ድኻመይ ርኢኻ እንተይ'ኣርሓቕካኒ
ሓቚፍካ ደጊፍካ ይቕሬታ ሂብካኒ
ተስፋ ንኸይቆርጽ ርህራሄኻ ኣሎኒ
ብዝሒ እቲ ምሕረትካ ፍጹም ደኒቑኒ(2)

For more videos subscribe Bekretsion Tube

Show more
Facebook Comments

Up next