Up next


ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ንዘሎ መገዲታት ፅገና ዝውዕል 20 ሚሊየን ዩሮ ድጋፍ ሂቡ

53 Views
መዝናኛ
7
Published on 09 Feb 2019 / In Shows

ኣብ ኣውሮፓ ሕብረት ኮሚሽነር ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ኔቬን ሚሚካ ኣብ ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣሳሊጦም።
እቶም ኮሚሽነር፥ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝራኸባሎም ዶባት ዘለዉ መገዲታት መሊስካ ንምፅጋን ዘኽእል 20 ሚሊየን ዩሮ ድጋፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጦም።
ኮሚሽነር ኔቬን ሚሚካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ፥ ኣብ ከባቢዊን ፖለቲካዊ ርክብ ኣውሮፓ ሕብረትን ኤርትራን ክብ ኣብ ዝብለሉን ዛዕባ ተዛቲዮም።
ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ታሪኻዊ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ምጥንኻር እቲ ሕብረት ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር እቶም ኮሚሽነር ተዛሪቦም።

ነዚ እውን ክልቲአን ሃገራት ዝራኸባሉ ኣብ ከባቢ ዶብ ዘሎ መገዲ ንምፅጋን ዘኽእል 20 ሚሊየን ዩሮ ብሓገዝ ከምዝሃበ ገሊፆም።
እቲ ደገፍ ንግዲን ሓድነትን ክልቲአን ሃገራት ክብ ካብ ምባል ብተወሳኺ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ዕድል ስራሕ ንክረኽቡ ከምዘኽእል ኣብሪሆም።

Show more
Facebook Comments

Up next