التالي


ነጋዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ሓድሽ ዝጀመረ ንግዳዊ ንጥፈት ክልቲኣን ሃገራት እንታይ ይብሉ?

38 المشاهدات
መዝናኛ
7
نشرت في 24 Sep 2019 / في الناس والمدونات

ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ መጉዓዝያ ምድሪ ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ምስ ተኸፍተ ብዙሓት ህዝቢን ነጋዶን ካብን ናብን ክልቲኣን ሃገራት ይመላለሱ ኣለው።

ከም ውጽኢት ምኽፋት’ቲ ዶብ ድማ ነጋዶ ክልቲኣን ሃገራት ናይ ንግዲ ንጥፈታት ጀሚሮም ኣለው።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቦታ ግዝያዊ መናሃርያ ናይ ንግዲ ቦታ ኣብምድላው ነጋዶ ንግዳዊ ንጥፈታቶም ዘካይድሉ ቦታ ተዳልዩ ኣሎ።

ወኪልና ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ገለ ነጋዶ ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ፈለማ ዝተሓትመሉ ኣብ- https://tigrigna.voanews.com/a..../%e1%8a%90%e1%8c%8b%

أظهر المزيد
تعليقات الفيسبوك

التالي